
ኣገዳሲ ሓበሬታ ብቛንቛኻ
ኣብ ሆላንድ ሓድሽ እንተኾንካ ብዙሓት ነገራት ዘይትፈልጦምን ዝተሓላለኹን እዮም። ቛንቛ ነዘርላንድስ ስጋብ ኣጸቢቕካ ዘይመለኽካዮ ቅኑዕ ሓበሬታ ንኽትረክብ ኣሸጋሪ እዩ። ከተሳልጦም ዘለካ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድማ ኣለዉኻ። ኣብዚ ሳይት ብቛንቛካ ንስደተኛታት ዘድሊ ሓበሬታ ትረክብ።
ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ኣብ ግዜ “ቅልውላው ኮሮና” ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ደው ኣይክብልን እዩ።
ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ኣብ ግዜ “ቅልውላው ኮሮና” ኣገልግሎት መሃብ ክቕጽል እዩ ማለት እዩ። ኣብ’ዚ ተሃዋጺ ግዜ፡ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ንሕና እንህቦ ሓገዝ ክሙርከሱ ይኽእሉ።
ነቶም ህጹጻት ጉዳያት ከነእንግዶም ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ፡ ንሕና ነዚ ብኻልእ ኣገባብ ኢና ንገብሮ። ንብዙሓት ሕቶታት፡ ብመንገዲ ቴሌፎን፡ ኢሜይል ወይ ድማ ዋትስኣፕ ምላሽ ንህበሎም። እዚ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ሓላፊ ጋንታ ናይ ፌ ቬ ኤን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ክግበረልካ ክውስን ይኽእል።ስለ’ዚ፡ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ደውል ወይ ኢሜይል ልኣኽ።
ቁጽሪ ስልክን ናይ ኢሜይል ኣድራሻን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ተጠቂዑ ዘሎ ፖስተር ክትረኽቦ ትኽእል።
ወይ ድማ፡ ኣብ ገጽ ኣብ የማናይ ዓምዲ (ኣብ ላፕቶፕ) ወይ ድማ ኣብ ታሕቲ (ኣብ ቴሌፎን) ኣቲኻ ናይ’ቲ ትነብረሉ ቦታ ስም ጽሓፍ።
ብዛዕባ ኮሮና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ኣብ መርበብ ገጽ pharos.nl/coronavirus/ ዝያዳ ሓበሬታ ተወከስ።
In this video, you can follow Mark Rutte’s part of the press conference in English, in which the prime ministers brings you up to date on the measures for the coming period, so you can understand the latest news on the corona virus in your own language.
መስሕ ዑቕባ
ጥርናፈ ስድራቤት
መንበሪ-ቤት
ናይ ጥዕና ክንክን
ስራሕን እቶትን
ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ
ትምህርቲ
ዑቕባ እንተዘይረኺብካ
ሓበሬታ ብዛዕባ ቆልዑ
ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓምት ኮይኑ ሓበሬታ ብዛዕባ ቤት-ትምህርቲ፡ ምንባር ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ወይድማ ናይ ሆላንድ ባህሊ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ? ናይ ህጻናት ተለፎን ከምኡውን ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ብፍሉይ ንስደተኛታት ወብሳይት ኣለዎም። ናብ www.tell-me.nl ከድካ ረአ።
ብዛዕባ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት
ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ነጻ ዝኾነ ማሕበር ኮይኑ ኣብ ሆላንድ ንረብሓ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ይሰርሕ። ናትና ሞያውያንን ከምኡውን ብዙሓት ወለንተኛታትን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምክልኻል ናይ ውልቂ ሓገዝን ረብሓታቶም ንኽረኽቡ ኣብ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዝረኽብሉ ግዜ፡ ብዛዕባ መዕቆብን ማሕበራዊ ተሳትፎን ጉዳያት ሓገዝ ብምብርካት ይጽዕሩ። መሰረት ናይ ስራሕና ኣብ ኣህጉራዊ ኣዋጅ መሰል ናይ ወዲ-ሰብ ዝተሰረተ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ወብሳይት ርእይቶ ኣለካ?
እዚ ወብሳይት ብጥንቃቐ ብማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ዝተዳለወ እዩ። ጌጋ እንተዳኣረኺብካ ብእንግሊዝኛ ወይ ድማ ብነዘርላንድስ ኣብ forrefugees@vluchtelingenwerk.nl ሓብረና።