
ናብ ኣልጀርያ ምምላስ
ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምልስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ብዛዕባ መጻኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ መታን ክትወስድ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ዚ ክተሓባበረካ ይኽእል እዩ።
ዝተፈላላየ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ውድባት፡ ኣብ ምምላስ ይተሓባበራ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk) ኣብ ኣልጀርያ መሻርኽቲ የብሉን። ምናልባት፡ ብመንገዲ ካልእ ውድብ ኣቢልካ ምምላስ ይከኣል ይኸውን። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk)፡ ምስ’ዘን ውድባት ከራኽበካ ይኽእል። ኣየነይቲ ውድብ እያ ምስ ኩነታትካ ዝያዳ ትሳነ ድማ ባዕልኻ ትመርጽ።
ንኽምለሱ ዝደልዩ ኣልጀርያውያን፡ ብመንገዲ ድንጋገ-REAN (Return and Emigration Assistance from the Netherlands) ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክርከብ ይከኣል። ካብ REAN ምኽሪ፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ሓገዝ ኣብ ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳትን ክትረክብ ትኽእል። ኣህጉራዊ ወድብ ፍልሰት (ኣይ ኦ ኤም) (IOM, International Organization for Migration)፡ ነቲ ናይ REAN መደብ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዙ ካልኦት ውድባት’ውን፡ ተወሳኺ ሓገዛት ክሓቱልካ ይኽእሉ። ተጠቃሚ ናይ’ዚ ድንጋገ ንምዃን፡ ገለ ረቛሒታት ከተማልእ ይግባእ። እዚ ካሕሳ ይግብኣካ እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ ንኣላይኻ ተወከስ።
ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛ ትካላት ኣየኖት እየን?
- ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk Nederland)፡ ብመሰረት Met Opgeheven Hoofd 2 ዝተባህለ ፕሮጀክት፡ ብዛዕባ ኣብ ናብ ሃገርካ ምምላስን ዳግመ-ምጥያስን ዘለዉ ተኽእሎታት ኣመልኪቱ ምሳኻ ዝርርብ ከካይድ እዩ። ባዕልና ናብ ኣልጀርያ ኣይንመልስን ኢና። ይኹን እምበር፡ ምስ ካልእ ውድብ ከነራኽበካ ግን ንኽእል።
-
ኣይ ኦ ኤም (IOM)፡ ኣህጉራዊ ውድብ ፍለስት፡ ድሕሪ ምምላስካ፡ ኣብ ሃገርካ ሂወትካ ከምብሓድሽ ክትጅምር ክተሓባበረካ ይኽእል። ንኽምለሱ ዝደልዩ ኣልጀርያውያን፡ ብመንገዲ ድንጋገ-REAN (Return and Emigration Assistance from the Netherlands) ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክርከብ ይከኣል። ካብ REAN፡ ምኽሪ፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣብ ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳትን ክትረክብ ትኽእል። ኩሉ ድማ፡ ብምትሕብባር ኣብ ሃገርካ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ፍለስት (IOM) ይካየድ።
-
Goedwerk Foundation ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ምምላስ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሕታት ይቕርብ። እቶም ምኩራት ክኢላታት፡ ተሓጋገዝትን ኣስለጠንትን ናይ Goedwerk Foundation፡ ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፡ ስፓንሽ፡ ዓረብ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ፋርሲ፡ ፓሽቱን ዳሪን ክተሓጋገዙኻ ይኽእሉ። ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ድማ፡ እቲ ናትካ ናይ ምምላስ ጒዳይ ብጥንቃቐ ይዳልውሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ምምጻእ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳት፡ ናብ ኤምባሲ ትገብሮ ምብጻሕ፡ ናይ ጥዕና ሓገዝ፡ ምስ ስድራኻ ርክብ ምግባር፡ ነቲ ናይ መጣየሲ ገንዘብ መደብ ምሕንጻጽ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሃገርካ ኣብ ትገብሮ ጎዕዞ። Goedwerk Foundation ኣብ ሰባት ናብ ኣልጀርያ ምምላስ ብዙሕ ተሞክሮ ዝውንን ኮይኑ ሰፊሕ መርበብ ናይ ተመልስትን ክረኽቦም ዝኽእል ሰባትን ኣለዎ።
ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?
ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk) ኣብ ኣልጀርያ መሻርኽቲ ማሕበር ኣለዋ። ሓሓሊፉ ድማ፡ ካልኦት ትካላት፡ ንዓኻ ኣብ ምምላስ ክተሓባበራኻ ዝኽእላ መሻርኽቲ ማሕበራት ክህልወን ይኽእል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ምስ’ዘን ትካላት ተራኸብ ወይ ድማ ነቲ ንዓኻ ዝተሓባበረካ ሰራሕተኛ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk) ተወከስ።